ERIS
  • Aktuellt
  • Språk och kultur - ቋንቋን ባህልን
  • Samhälleliga information - ሕብረተስባአዊ ሓበሬታ
  • Om Oss

ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ”ኮሮና”

3/12/2020

0 Comments

 
እዚ ሓበሬታ፡ ነቶም ኣብ’ዚ ቕንያት’ዚ ካብ’ቲ ሓድሽ ቫይረስ ”ኮሮና” ተዘርጊሕሉ ዘሎ ከባቢታት ዝመጻኹም ይምልከት። እንታይ ክትገብር ኣለካ? ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 14 መዓልትታት ኣብ ቀጻሊ ለበዳ ዘለዎ ቦታ ነይርካ እንተኾይንካ:
• ምልክታት ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ከም’ኒ ምስዓል፡ ጸገማት ምስትንፋስ ወይ ረስኒ እንተለካ – ሕክምናዊ ምኽሪ ብሽወደንኛን እንግልዝኛን መታን ክትረክብ ናብ ሓባሪ-ጥዕና 1177 ደውል (ቊ.ተሌፎን 1177)። ነብስኻን ካልኦት ሰባትን ብኸምዚ ትከላኸል
• ክትስዕል ወይ ሕንጥሸው ክትብል ከለኻ፡ ኢድካ ዓጺፍካ ኣብ ናይ ቅድሚት ኲርናዕ ኢድካ ካብ ምባል ኣይትዘንግዕ
• ኣእዳውካ ብሳምናን ማይን ተሓጸብ
 
ብዛዕባ ሕማም ኮቪድ-19 (covid-19) ካብ ታሕሳስ 2019 ኣትሒዙ ኣብ ቻይና ሓደ ሓድሽ ቫያረስ ”ኮረና” ይላባዕ ኣሎ። እቲ በዚ ቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ኮቪድ-19 ዝብል ስም ተውሂብዎ ኣሎ። እዚ ሕማም ንመብዛሕታኦም ቀልጢፉ ባዕሉ ዝገድፍ ዝተቓለለ ምልክታት ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ይግበረሎም ደኣ'ምበር ንገሊኦም ግን ከም ነድሪ ሳንቡእ(ኒሞንያ) ዝኣመሰለ ዝተኻበደ ሕማም ይወርዶም'ዩ። ምስ'ቲ ዝሓመመ ሰብ ኣካላዊ ምትንኻፍ ምስ ዝህሉ ወይ እቲ ሕሙም ምስ ዝስዕል ወይ ሕንጥሸው ምስ ዝብል(ብመገዲ ነኣሽቱ ንጣባት)እቲ ቫይረስ ይመሓላለፍ። ኣብ'ቲ እቲ ሕማም ተላቢድዎ ዘሎ ከባቢ እንተ ነይርካ ወይ ድማ በዚ ሓድሽ ቫይረስ "ኮሮና" ዝተለበደ ሰብ ኣብ ጥቕኡ እንተ ነይርካ፡ ንኽትልከፍ ዘሎ ሓደጋ ክብ ይብል።
0 Comments



Leave a Reply.

    Author

    Write something about yourself. No need to be fancy, just an overview.

    Archives

    March 2020
    April 2013
    March 2013

    Categories

    All
    ከም ስደተኛ ምስተፈለጥካ ፓስፖርት ንምርካብ ከተማልኦም ዘሎካ ነገራ
    ህይወት ሰብ ከተድሕን ትኽእል ኢኻ
    ምኽንሻብ ወይ ምግራዝ ደቂ ኣንስትዮ
    ተለቂሕካ ክትምሃር ለቓሕ ዘፍቅድን ዝህብን መንግስታዊ ትካል
    ምኽሪ ካብ ኣማኻሪ ሸመታ (Konsumentverket)

    RSS Feed

Powered by Create your own unique website with customizable templates.