Söndagen den 26 maj är det val till Europaparlamentet, EU-val, i Sverige. I valet väljer medborgarna i EU:s medlemsländer vilka som ska representera dem i parlamentet de kommande fem åren.
ርሑስ ልደትን በ ዓል ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና
ዓመተ 2016 ተወዲኡ ናብ ዓመተ 2017 ንምእትታው ተቓሪብና ንርከብ፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኩሉኹም ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ርሑስ ዓውደ በዓላትን ሰናይ ዘበንን ይግበረልኩም። ሽማግለ ማሕበር Paraply organisationen ERITREANSKA RIKS FÖRBUNDET I SVERIGE (ERIS) önskar alla Eritreaner God Jul och Gott nytt år. Må år 2016 vara ett år av fred. ኣብ ሽወደን ናይ 20- 50- ከም ኡ ድማ ናይ 1000- ቅርሺ ገንዘብ ቅድሚ 30 ሰነ 2016 (30 juni 2016) ክቕየር ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ምቕያር ድማ ወይ ቅድሚ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ዕዳጋ በካርድ ዘይኮነ ብገንዘብ ብምኽፋል ወይ ድማ ኣብ ባንክ ብምኻድ እቲ ብጥረ ምሳና ዘሎ ገንዘብ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብና ብምእታው ክንቅይሮ ንኽእል። ድሕሪ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት እዚ ናይ ቅድም ገንዘብ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ብምዃኑ ካብ ክሳራ ክንድሕን ኣብ እዋኑ ገንዘብና ምቕያር ይግብኣና። በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራውያን ዜጋታትና ብፍላይ እቶም ሕጽረት ቋንቋ ሽወደን ዘለዎም ብዝክኣል መጠን እዚ ሓበሬታ ክበጽሖምን ገንዘብ ኣብ ምቕያር ክንትሓባበሮም በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ንኹሎም ዜጋታትና ነበርቲ ሽወደን ሓበሬታኡ የበጽሕ። ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) Sedlar ocKolla pengarna. Efter den 30 juni blir de äldre 20-, 50- och 1 000-kronorssedlarna ogiltiga. Betala med dina sedlar eller sätt in dem på bankkonto i tid. ኣብ ሽወደን ናይ 20- 50- ከም ኡ ድማ ናይ 1000- ቅርሺ ገንዘብ ቅድሚ 30 ሰነ 2016 (30 juni 2016) ክቕየር ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ምቕያር ድማ ወይ ቅድሚ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ዕዳጋ በካርድ ዘይኮነ ብገንዘብ ብምኽፋል ወይ ድማ ኣብ ባንክ ብምኻድ እቲ ብጥረ ምሳና ዘሎ ገንዘብ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብና ብምእታው ክንቅይሮ ንኽእል። ድሕሪ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት እዚ ናይ ቅድም ገንዘብ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኸውን ብምዃኑ ካብ ክሳራ ክንድሕን ኣብ እዋኑ ገንዘብና ምቕያር ይግብኣና። በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራውያን ዜጋታትና ብፍላይ እቶም ሕጽረት ቋንቋ ሽወደን ዘለዎም ብዝክኣል መጠን እዚ ሓበሬታ ክበጽሖምን ገንዘብ ኣብ ምቕያር ክንትሓባበሮም በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ንኹሎም ዜጋታትና ነበርቲ ሽወደን ሓበሬታኡ የበጽሕ።
ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) Sedlar ocKolla pengarna. Efter den 30 juni blir de äldre 20-, 50- och 1 000-kronorssedlarna ogiltiga. Betala med dina sedlar eller sätt in dem på bankkonto i tid. Paraply organisationen ERITREANSKA RIKS FÖRBUNDET I SVERIGE (ERIS) önskar alla Eritreaner God Jul och Gott nytt år. Må år 2016 vara ett år av fred och samarbete.
ብመሰረት ተላኢኹ ዝነበረ መልእኽቲ ዕድመ ምስታፍ ኣብ ሰሚናር ፕሮጀክት Agera tillsammans ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሽማግለ ኤማሽ ብዕለት 15-11-2014 ተሳቲፎም ነበሩ።
ጽላል ማሕበርና ኤማሽ (ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን) ኣብቲ ንልዕሊ 21 ካልኦት ጽላል ማሕበራት ብምጥርናፍ ዝዋሳእ ዘሎ ማሕበር SIOS ኣባል ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ኣደ፣ መንነትን ባህልን (språk, identitet och kultur) ወጻእተኛታት ነበርቲ ሽወደን ንምዕቃብ ዝነጥፍ ማሕበር ኣባል እዩ። እዚ ማሕበር ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲኡ ብስም ኮሚቴ ደቂ ኣንስትዮ (Kvinnokommite) ተባሂሉ ዝፍለጥ ምጥርናፍ ንሕቶታት ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ብምሃብ ዝነጠፍ ክህልዎ እንከሎ ብስም ኣንጻር ዓሌትነት (AntiDeskriminerings byrå) ዝፍለጥን ብሓደ ናይ ሕጊ ምሁር ዝእለን ትካል ንኣድልዎን ዓሌትነትን ንምቅላስ ዝነጥፉ ትካላት ኣለውዎ። ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ብዕለት 15-11-2014 ክልት ኣኼባታት ኣካይዶም ነበሩ ዝርዝር ሓበሬታት ክልተ አኼባታት ድማ ብጸብጻብ ናብ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ኤማሽን ወከልቲ ጨናፍርን ተላእከ።
ቀዳማይ ክፋል ብመሰርት ኤማሽ ምስ SIOS ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰርት ኣብቲ ብAgera tillsammans ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ፕሮጀክት ክነጥፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ እዚ ዝተኻየደ ኣኼባ ኩሎም ኣባላት ብዛዕባ ዓሌትነትን ዘሎና ርድኢት ብምዕሟቕ ብኸመይ ብሓባር ክንከላኸሎ ከምዝግባእ ዝዓለመ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝቕጽል ስራሕ ድማ ነዚ ትምህርቲ ኣብ ጨናፍር ብምውራድ ኣባላት ክካትዕሉን ክምሃሩሉን ዝዓለመ ኮይኑ እቲ ጻዕሪ ኤርትራውያን መሰላቶም ኣብ ምፍላጥን ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ዘጋጥሞም ድማ ነዚ ብምልላይ ከመይ ጌሮም ክከላኸሉ ወይ ክቃለስዎ ከምዝግብእዎም ኣስተምህሮ ዝህብ መደብ ብምዃኑ ቀጻሊ ጻዕሪ ብወከልቲ ጨናፍር ክካየዶ ትጽብቲ ዝግበረሉ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ሽማግለ ማሕበር Here is a chronology of key events in this tiny nation's history
Source: BBC Published: 19:26 April 20, 2010 ... መንግስቲ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብዝቐለለን ዝሓጸረን ኣገባብ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ተወሃሂዶም መነባብርኦም ክመርሑ ንክኽእሉ ኣድላዪ መጽናዕትታት ድሕሪ ምክያድ ብ15 ጥሪ 2009 ንወከልቲ መንግስቲ ሽወደን፣ በርገሳውያን ማሕበራት ከምኡ ድማ ወከልቲ ምምሕዳራት ኮምዩንን ላንድስቲንግን ብምዕዳም እዚ ዝደለ ዘሎ መደብ ውህደት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝዕወት ኩሎም ኣካላት ሕብረተሰብ ሽወደን ምስዝሳተፍዎ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ዝድለ ዘሎ መስርሕ ውህደት ንምዕዋት ድማ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ቀጻሊ ኣኼባታትን መጽናዕትን ብምክያድ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም ኣለዉ። ካብቶም ኣብዚ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኣኼባታትን መጽናዕትን ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) ብኣቦ ወንበር ተወኪሉ ኣብዚ መስርሕ ብምስታፍ ጽላል ማሕበር ኤማሽ ሓደ ካብቶም ነዚ ታሪኻዊ ስምምዕ ካብ ዝኸተሙ ማሕበራት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስምምዕ ኤማሽ ኣብ መስርሕ ውህደት ስደተኛታት ኤርትራውያንን ሓተቲ ዑቕባን ኣካል ሕብረተሰብ ሽወደን ብምዃን ናብርኦም ክመርሕሉ ዝኽእሉ መደባት ብምሕንጻጽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝኽእሎ ስምምዓት ድሮ በቲ ዝኸተሞ ስምምዕ መሰረት ኣንጺፉ ኣሎ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ድማ ጻዕሪ ኩሎም ወከልቲ ጨናፍር ማሕበራትን ኣባላትን ከድሊ እዩ። ሰነድ ናይዚ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ክርከብ ይክኣል።
ዓመታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) ብዕለት 2012-05-19 ኣብ ሶልና ኣቃኒዑ። ወከልቲ ማሕበራት ምልኣተ ጉባኤ ከምዘሎ ብምርግጋጽን ካልኦት ክማልኡ ዝነበሮም ቅድመኩነት ድሕሪ ምቁጽጻርን ምርግጋጽን ድማ ጉባኤ ብዕሊ ተኸፍተ። ቅድሚ ቀትሪ ማለት ቅድሚ ጉባኤ ምክያድ ድሮ ወከልቲ ማሕበራት ብመሰረት ተታሒዙ ዝነበረ ቆጸራ ድሮ ኣኼባ ሽማግለ ብምክያድ ንጥፈታት ኤማሽ ብምክትታል ዝተጻፈፈ ስራሓን ጌና ክማልኡ ወይ ክምሓየሹ ዝነበሮም መደባት ስራሕ ብምዝታይን ውሳነታት ብምውሳድን ኣኼብኦም ዛዚሞም ብምንባሮም፡ ናብ ጉባኤ ኤማሽ ክሳተፉ እንከለዉ ድሮ ጽፉፍ ሓበሬታን ርድኢትን ወኒኖም እዮም ዝተሳተፉ። ብመሰረት ተሓንጺጾም ዝነበሩ መደባትን ውሳነ ጉባኤን ኤማሽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽወደን ከም ኣባላት እዚ ሕብረተሰብ፡ ዘድልዮም ሕብረተሰብኣዊ ሓበሬታ ብናይ ኣደ ቋንቋ ንክረኽቡ ከምኡ ድማ ኣብ መዓልታዊ መነባብርኦም ኣብ ዘጓንፎም ጸገማት ንምብዳህ ሓበሬታት ምኽርን ኣብ ምሃብ ክነጥፍ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣፍልጦ ሽወደናዊ ሕብረተሰብ ንምርዳእ ዘኽእል ዝተፈላለዩ መሃርቲ ናይ ትምህርቲ ኮርሳት ንኣባላቱ ኣብ ምድላው ንጡፍ ተራ ንክህልዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሽማግለ ማሕበር ሰለስተ ኣካያዲት ኣካልን ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ጨናፍር ማሕበራት ከም ኣባላት ሽማግለ ጽላል ማሕበር ብምምራጽ ጉባኤኡ ዛዚሙ።
|