ERIS
  • Aktuellt
  • Språk och kultur - ቋንቋን ባህልን
  • Samhälleliga information - ሕብረተስባአዊ ሓበሬታ
  • Om Oss

ጸብጻብ ተሳትፎ ፕሮጀክት ”Agera Tillsammans”

5/5/2015

0 Comments

 
ብመሰረት ተላኢኹ ዝነበረ መልእኽቲ ዕድመ ምስታፍ ኣብ ሰሚናር ፕሮጀክት  Agera tillsammans  ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሽማግለ ኤማሽ ብዕለት 15-11-2014 ተሳቲፎም ነበሩ።

ጽላል ማሕበርና ኤማሽ (ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን) ኣብቲ ንልዕሊ 21 ካልኦት ጽላል ማሕበራት ብምጥርናፍ ዝዋሳእ ዘሎ ማሕበር SIOS ኣባል ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ኣደ፣ መንነትን ባህልን (språk, identitet och kultur) ወጻእተኛታት ነበርቲ ሽወደን ንምዕቃብ ዝነጥፍ ማሕበር ኣባል እዩ። እዚ ማሕበር ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲኡ ብስም ኮሚቴ ደቂ ኣንስትዮ (Kvinnokommite) ተባሂሉ ዝፍለጥ ምጥርናፍ ንሕቶታት ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ብምሃብ ዝነጠፍ ክህልዎ እንከሎ ብስም ኣንጻር ዓሌትነት (AntiDeskriminerings byrå) ዝፍለጥን ብሓደ ናይ ሕጊ ምሁር ዝእለን ትካል ንኣድልዎን ዓሌትነትን ንምቅላስ ዝነጥፉ ትካላት ኣለውዎ።


Read More
0 Comments

ኣስተምህሮ ኣንጻር ዓሌትነትን ኣድልዎን

5/5/2015

0 Comments

 
ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ብዕለት 15-11-2014 ክልት ኣኼባታት ኣካይዶም ነበሩ ዝርዝር ሓበሬታት ክልተ አኼባታት ድማ ብጸብጻብ ናብ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ኤማሽን ወከልቲ ጨናፍርን ተላእከ።

ቀዳማይ ክፋል ብመሰርት ኤማሽ ምስ SIOS ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰርት ኣብቲ ብAgera tillsammans ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ፕሮጀክት ክነጥፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ እዚ ዝተኻየደ ኣኼባ ኩሎም ኣባላት ብዛዕባ ዓሌትነትን ዘሎና ርድኢት ብምዕሟቕ ብኸመይ ብሓባር ክንከላኸሎ ከምዝግባእ ዝዓለመ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝቕጽል ስራሕ ድማ ነዚ ትምህርቲ ኣብ ጨናፍር ብምውራድ ኣባላት ክካትዕሉን ክምሃሩሉን ዝዓለመ ኮይኑ እቲ ጻዕሪ ኤርትራውያን መሰላቶም ኣብ ምፍላጥን ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ዘጋጥሞም ድማ ነዚ ብምልላይ ከመይ ጌሮም ክከላኸሉ ወይ ክቃለስዎ ከምዝግብእዎም ኣስተምህሮ ዝህብ መደብ ብምዃኑ ቀጻሊ ጻዕሪ ብወከልቲ ጨናፍር ክካየዶ ትጽብቲ ዝግበረሉ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።  

ሽማግለ ማሕበር


0 Comments

    Archives

    May 2019
    December 2016
    June 2016
    December 2015
    May 2015
    April 2013
    March 2013

    Categories

    All
    ጸብጻብ ውዕል ውህደት ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደን በርገሳውያን ማሕበ&#
    Political Map Of Eritrea


    Picture

      Kontakta Oss!

      Picture
    Submit

    RSS Feed

Powered by Create your own unique website with customizable templates.