Here is a chronology of key events in this tiny nation's history
Source: BBC
Published: 19:26 April 20, 2010 ...
Source: BBC
Published: 19:26 April 20, 2010 ...
Here is a chronology of key events in this tiny nation's history
Source: BBC Published: 19:26 April 20, 2010 ... መንግስቲ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብዝቐለለን ዝሓጸረን ኣገባብ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ተወሃሂዶም መነባብርኦም ክመርሑ ንክኽእሉ ኣድላዪ መጽናዕትታት ድሕሪ ምክያድ ብ15 ጥሪ 2009 ንወከልቲ መንግስቲ ሽወደን፣ በርገሳውያን ማሕበራት ከምኡ ድማ ወከልቲ ምምሕዳራት ኮምዩንን ላንድስቲንግን ብምዕዳም እዚ ዝደለ ዘሎ መደብ ውህደት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝዕወት ኩሎም ኣካላት ሕብረተሰብ ሽወደን ምስዝሳተፍዎ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ዝድለ ዘሎ መስርሕ ውህደት ንምዕዋት ድማ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ቀጻሊ ኣኼባታትን መጽናዕትን ብምክያድ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም ኣለዉ። ካብቶም ኣብዚ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኣኼባታትን መጽናዕትን ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) ብኣቦ ወንበር ተወኪሉ ኣብዚ መስርሕ ብምስታፍ ጽላል ማሕበር ኤማሽ ሓደ ካብቶም ነዚ ታሪኻዊ ስምምዕ ካብ ዝኸተሙ ማሕበራት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስምምዕ ኤማሽ ኣብ መስርሕ ውህደት ስደተኛታት ኤርትራውያንን ሓተቲ ዑቕባን ኣካል ሕብረተሰብ ሽወደን ብምዃን ናብርኦም ክመርሕሉ ዝኽእሉ መደባት ብምሕንጻጽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝኽእሎ ስምምዓት ድሮ በቲ ዝኸተሞ ስምምዕ መሰረት ኣንጺፉ ኣሎ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ድማ ጻዕሪ ኩሎም ወከልቲ ጨናፍር ማሕበራትን ኣባላትን ከድሊ እዩ። ሰነድ ናይዚ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ክርከብ ይክኣል።
|