ERIS
  • Aktuellt
  • Språk och kultur - ቋንቋን ባህልን
  • Samhälleliga information - ሕብረተስባአዊ ሓበሬታ
  • Om Oss

ዓመታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ)

3/14/2013

 
Picture
ዓመታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) ብዕለት 2012-05-19 ኣብ ሶልና ኣቃኒዑ። ወከልቲ ማሕበራት ምልኣተ ጉባኤ ከምዘሎ ብምርግጋጽን ካልኦት ክማልኡ ዝነበሮም ቅድመኩነት ድሕሪ ምቁጽጻርን ምርግጋጽን ድማ ጉባኤ ብዕሊ ተኸፍተ። ቅድሚ ቀትሪ ማለት ቅድሚ ጉባኤ ምክያድ ድሮ ወከልቲ ማሕበራት ብመሰረት ተታሒዙ ዝነበረ ቆጸራ ድሮ ኣኼባ ሽማግለ ብምክያድ ንጥፈታት ኤማሽ ብምክትታል ዝተጻፈፈ ስራሓን ጌና ክማልኡ ወይ ክምሓየሹ ዝነበሮም መደባት ስራሕ ብምዝታይን ውሳነታት ብምውሳድን ኣኼብኦም ዛዚሞም ብምንባሮም፡ ናብ ጉባኤ ኤማሽ ክሳተፉ እንከለዉ ድሮ ጽፉፍ ሓበሬታን ርድኢትን ወኒኖም እዮም ዝተሳተፉ። ብመሰረት ተሓንጺጾም ዝነበሩ መደባትን ውሳነ ጉባኤን ኤማሽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽወደን ከም ኣባላት እዚ ሕብረተሰብ፡ ዘድልዮም ሕብረተሰብኣዊ ሓበሬታ ብናይ ኣደ ቋንቋ ንክረኽቡ ከምኡ ድማ ኣብ መዓልታዊ መነባብርኦም ኣብ ዘጓንፎም ጸገማት ንምብዳህ ሓበሬታት ምኽርን ኣብ ምሃብ ክነጥፍ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣፍልጦ ሽወደናዊ ሕብረተሰብ ንምርዳእ ዘኽእል ዝተፈላለዩ መሃርቲ ናይ ትምህርቲ ኮርሳት ንኣባላቱ ኣብ ምድላው ንጡፍ ተራ ንክህልዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሽማግለ ማሕበር ሰለስተ ኣካያዲት ኣካልን ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ጨናፍር ማሕበራት ከም ኣባላት ሽማግለ ጽላል ማሕበር ብምምራጽ ጉባኤኡ ዛዚሙ።  

Read More

    Archives

    May 2019
    December 2016
    June 2016
    December 2015
    May 2015
    April 2013
    March 2013

    Categories

    All
    ጸብጻብ ውዕል ውህደት ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደን በርገሳውያን ማሕበ&#
    Political Map Of Eritrea


    Picture

      Kontakta Oss!

      Picture
    Submit

    RSS Feed

Powered by Create your own unique website with customizable templates.