ዓመታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) ብዕለት 2012-05-19 ኣብ ሶልና ኣቃኒዑ። ወከልቲ ማሕበራት ምልኣተ ጉባኤ ከምዘሎ ብምርግጋጽን ካልኦት ክማልኡ ዝነበሮም ቅድመኩነት ድሕሪ ምቁጽጻርን ምርግጋጽን ድማ ጉባኤ ብዕሊ ተኸፍተ። ቅድሚ ቀትሪ ማለት ቅድሚ ጉባኤ ምክያድ ድሮ ወከልቲ ማሕበራት ብመሰረት ተታሒዙ ዝነበረ ቆጸራ ድሮ ኣኼባ ሽማግለ ብምክያድ ንጥፈታት ኤማሽ ብምክትታል ዝተጻፈፈ ስራሓን ጌና ክማልኡ ወይ ክምሓየሹ ዝነበሮም መደባት ስራሕ ብምዝታይን ውሳነታት ብምውሳድን ኣኼብኦም ዛዚሞም ብምንባሮም፡ ናብ ጉባኤ ኤማሽ ክሳተፉ እንከለዉ ድሮ ጽፉፍ ሓበሬታን ርድኢትን ወኒኖም እዮም ዝተሳተፉ። ብመሰረት ተሓንጺጾም ዝነበሩ መደባትን ውሳነ ጉባኤን ኤማሽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሽወደን ከም ኣባላት እዚ ሕብረተሰብ፡ ዘድልዮም ሕብረተሰብኣዊ ሓበሬታ ብናይ ኣደ ቋንቋ ንክረኽቡ ከምኡ ድማ ኣብ መዓልታዊ መነባብርኦም ኣብ ዘጓንፎም ጸገማት ንምብዳህ ሓበሬታት ምኽርን ኣብ ምሃብ ክነጥፍ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣፍልጦ ሽወደናዊ ሕብረተሰብ ንምርዳእ ዘኽእል ዝተፈላለዩ መሃርቲ ናይ ትምህርቲ ኮርሳት ንኣባላቱ ኣብ ምድላው ንጡፍ ተራ ንክህልዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሽማግለ ማሕበር ሰለስተ ኣካያዲት ኣካልን ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ጨናፍር ማሕበራት ከም ኣባላት ሽማግለ ጽላል ማሕበር ብምምራጽ ጉባኤኡ ዛዚሙ።