ERIS
  • Aktuellt
  • Språk och kultur - ቋንቋን ባህልን
  • Samhälleliga information - ሕብረተስባአዊ ሓበሬታ
  • Om Oss

ጸብጻብ ውዕል ውህደት ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደን በርገሳውያን ማሕበራት ከምኡ ድማ ምምሕዳር ኮምዩንን ላንድስቲንግን

4/8/2013

 
መንግስቲ ሽወደን ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብዝቐለለን ዝሓጸረን ኣገባብ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ተወሃሂዶም መነባብርኦም ክመርሑ ንክኽእሉ ኣድላዪ መጽናዕትታት ድሕሪ ምክያድ ብ15 ጥሪ 2009 ንወከልቲ መንግስቲ ሽወደን፣ በርገሳውያን ማሕበራት ከምኡ ድማ ወከልቲ ምምሕዳራት ኮምዩንን ላንድስቲንግን ብምዕዳም እዚ ዝደለ ዘሎ መደብ ውህደት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝዕወት ኩሎም ኣካላት ሕብረተሰብ ሽወደን ምስዝሳተፍዎ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ነዚ ዝድለ ዘሎ መስርሕ ውህደት ንምዕዋት ድማ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ቀጻሊ ኣኼባታትን መጽናዕትን ብምክያድ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም ኣለዉ። ካብቶም ኣብዚ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኣኼባታትን መጽናዕትን ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን (ኤማሽ) ብኣቦ ወንበር ተወኪሉ ኣብዚ መስርሕ ብምስታፍ ጽላል ማሕበር ኤማሽ ሓደ ካብቶም ነዚ ታሪኻዊ ስምምዕ ካብ ዝኸተሙ ማሕበራት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስምምዕ ኤማሽ ኣብ መስርሕ ውህደት ስደተኛታት ኤርትራውያንን ሓተቲ ዑቕባን ኣካል ሕብረተሰብ ሽወደን ብምዃን ናብርኦም ክመርሕሉ ዝኽእሉ መደባት ብምሕንጻጽ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝኽእሎ ስምምዓት ድሮ በቲ ዝኸተሞ ስምምዕ መሰረት ኣንጺፉ ኣሎ። ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ድማ ጻዕሪ ኩሎም ወከልቲ ጨናፍር ማሕበራትን ኣባላትን ከድሊ እዩ። ሰነድ ናይዚ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ሊንክ ክርከብ ይክኣል።

Comments are closed.

    Archives

    May 2019
    December 2016
    June 2016
    December 2015
    May 2015
    April 2013
    March 2013

    Categories

    All
    ጸብጻብ ውዕል ውህደት ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደን በርገሳውያን ማሕበ&#
    Political Map Of Eritrea


    Picture

      Kontakta Oss!

      Picture
    Submit

    RSS Feed

Powered by Create your own unique website with customizable templates.