ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን ብዕለት 15-11-2014 ክልት ኣኼባታት ኣካይዶም ነበሩ ዝርዝር ሓበሬታት ክልተ አኼባታት ድማ ብጸብጻብ ናብ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ኤማሽን ወከልቲ ጨናፍርን ተላእከ።
ቀዳማይ ክፋል ብመሰርት ኤማሽ ምስ SIOS ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰርት ኣብቲ ብAgera tillsammans ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ፕሮጀክት ክነጥፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ እዚ ዝተኻየደ ኣኼባ ኩሎም ኣባላት ብዛዕባ ዓሌትነትን ዘሎና ርድኢት ብምዕሟቕ ብኸመይ ብሓባር ክንከላኸሎ ከምዝግባእ ዝዓለመ እዩ ዝነበረ። እቲ ዝቕጽል ስራሕ ድማ ነዚ ትምህርቲ ኣብ ጨናፍር ብምውራድ ኣባላት ክካትዕሉን ክምሃሩሉን ዝዓለመ ኮይኑ እቲ ጻዕሪ ኤርትራውያን መሰላቶም ኣብ ምፍላጥን ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ዘጋጥሞም ድማ ነዚ ብምልላይ ከመይ ጌሮም ክከላኸሉ ወይ ክቃለስዎ ከምዝግብእዎም ኣስተምህሮ ዝህብ መደብ ብምዃኑ ቀጻሊ ጻዕሪ ብወከልቲ ጨናፍር ክካየዶ ትጽብቲ ዝግበረሉ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።
ሽማግለ ማሕበር