ብመሰረት ተላኢኹ ዝነበረ መልእኽቲ ዕድመ ምስታፍ ኣብ ሰሚናር ፕሮጀክት Agera tillsammans ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሽማግለ ኤማሽ ብዕለት 15-11-2014 ተሳቲፎም ነበሩ።
ጽላል ማሕበርና ኤማሽ (ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን) ኣብቲ ንልዕሊ 21 ካልኦት ጽላል ማሕበራት ብምጥርናፍ ዝዋሳእ ዘሎ ማሕበር SIOS ኣባል ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ኣደ፣ መንነትን ባህልን (språk, identitet och kultur) ወጻእተኛታት ነበርቲ ሽወደን ንምዕቃብ ዝነጥፍ ማሕበር ኣባል እዩ። እዚ ማሕበር ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲኡ ብስም ኮሚቴ ደቂ ኣንስትዮ (Kvinnokommite) ተባሂሉ ዝፍለጥ ምጥርናፍ ንሕቶታት ደቂ ኣንስትዮ ኣቓልቦ ብምሃብ ዝነጠፍ ክህልዎ እንከሎ ብስም ኣንጻር ዓሌትነት (AntiDeskriminerings byrå) ዝፍለጥን ብሓደ ናይ ሕጊ ምሁር ዝእለን ትካል ንኣድልዎን ዓሌትነትን ንምቅላስ ዝነጥፉ ትካላት ኣለውዎ።

እዚ ፕሮጀክት ኤማሽ ከም ሓደ ጽላል ማሕበርን ኣባል SIOS (SamarbetsOrgan för etniska organisationer i Sverige) ብመንገዲ ወኪሉ ኣብ SIOS ብዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተዳለወ ኮይኑ ብመሰረት ዝተበጽሐ ስምምዕ ድማ እዚ ቀዳማይ ሰሚናር ተኻይዱ ኣሎ። እቲ መደብ ሽማግለ ኤማሽ ኣብ ጉዳይ ኣድልዎን ዓሌትነትን ዝህልዎም ኣፍልጦ ብምዕሟቕ በብመንገዶም ድማ ነቲ ዝረኸብዎ ኣፍልጦ ኣብ ኣባላት ጨናፍር ከምዝበጽሕ ብምግባር ኣድልዎን ዓሌትነትን ኣብ ምልላይን ምክልኻልን ተራ ንክህልወና ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ እዩ። ከምቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ካልኣይ ርክብ ብምግባር ብዘካየድናዮ ንጥፈታትን ካብ ኣባላት ጨናፍር ዝትኣከበ ተመኩሮን ርድኢትን ጽሟቕ እነቕርበሉ እዋን ክኸውን እዩ። ዕላማ ናይዚ ፕሮጀከት ዝተፈላለያ ጽላላት ማሕበራት ብዘካይድኦ ተመሳሳሊ ፕሮጀክት ዝእከብ ተመኩሮን ርድኢትን ብምጥርናፍ ንኣድልዎን ዓሌትነት ብጥርኑፍ ደረጃ ንምክልኻሉ ምስ ናይዚ ሃገር ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝካየድ ርክባት ደማ ሓጋዚ ተራ ክህልዎ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ኩሎም ኣብዚ ሰሚናር ፕሮጀክት ዝተኻፈሉን ካልኦት ክርከቡ ዘይክኣሉን ነዚ ጉዳይ ብዕቱብ ብምርኣይ ክነጥፍሉን ጸብጻብ ንጥፈታቶም ድማ ክልእኩ ይግባእ እቲ ምንታይ ብመሰረት ዝተኣከበ ጸብጻባት ሓደ ሓባራዊ ጸብጻብ ናብ SIOS ከነቕርብ ብምዃና እዩ።
ተሳተፍቲ ”För ett inkluderande Sverige och ett fullvärdigt medborgarskap SIOS medlemsförbunds handlingsplan mot rasism och liknande former av intolerans” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ሰነድ SIOS ተዋህቦም፡ ብመሰረት እዚ ሰነድ ድማ ነዚ ፕሮጀክት ብዝመርሑ ዘለዉ ክልተ ሰባት ንተሳተፍቲ ኣስተምህሮ ቀረበ ብድሕሪኡ ድማ ተሳተፍቲ ሕቶታት ከምኡ ድማ ርእይቶ ብምቕራብ እዩ ዝተዛዘመ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሽማግለ ኤማሽ ኣብዚ ሰሚናር ፕሮጀክት ተሳቲፎም ብምንባሮም ነዚ ሰነድ ክረኽቡ ክኢሎም እዮም እንተኾነ ነዚ ሰነድ ዘይረኸብኩም ወይ ድማ ተወሳኺ ክልኣኸኩም እትደልዩ ብመይል ሓብሩ እቲ ሰነድ ድማ ብፖስታ ክልኣኽ እዩ።
ኣብቲ መዓልቲ በቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሰነድ መሰረት ዝቐረበ ኣስተምህሮ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓለለ ነበረ፦
ዓሌትነት (rasism) እንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ ዝተፈላለየ መልሲ ይውሃቦ። ካብቶም ዝውሃቡ መልስታት ድማ ”ዓሌትነት ፓለቲካውን ማሕበራውን ኣጠማምታ ኮይኑ ናይ ሓደ ፍሉይ ዓሌት ወይ ዘርኢ ንሓደ ሕብረተሰብ ዝያዳ ካልኦት ኣገዳሲ እዩ ዝብል ርድኢት ክኸውን እንከሎ እዚ ልዕሊ ካልኦት ዝያዳ ኣገዳሲ ዝብሃል ዓሌት ድማ ምስ ካልኦት ዓሌታት ከይተዋሰበ ወይ ከይተዋለደ ክቕጽል ኣለዎ” ዝብል እሙንቶ ዝሓቖፈ ክኸውን እንከሎ መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ” ዓሌትነት ብመሰረት ሕብሪ ቆርበት፣ ዘርኢ፣ ወለዶ ወይ ድማ መበቆላዊ ዓሌት መሰረት ብምግባር ምግላል ወይ ድማ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት ወይ ኣድልዎ ምግባር” ብማለት ይገልጾ።
መግለጺ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ዝርአ ዓሌትነት፦ ዓሌትነትን ኣድልዎን ኣካል ታሪኽ ኤውሮጳዊ ሕብረተሰብ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ፡ ስለዚ ዓሌትነት ዝበዝሐ እዋን ብፍላጥ ዝፍጸም ተግባር እዩ። እምብኣር ዓሌትነት ንኣብነት ዓመጽ ዝተሓወሶ መጥቃዕቲ ወይ ድማ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ንኸይፈርዩ ብፍላጥ ደቂ ኣንስትይኦም ከምዝመኽና ምግባር ጥራይ ዘይኮነ ብኻልእ መልክዕ እውን ኣብ ሕብረተሰብ ይርአዩ እዮም። ንኣብነት ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፣ ንሓደ ሰብ ወይ ንውሱናት ክፋል ሕብረተሰብ ከምዘየለዉ ጎሲኻዮም ምሕላፍ፣ ሃሰይቲ ዝኾኑ መግለጺ ቃላት ምጥቃም ወዘተ ዝኣመሰሉ እዮም።
ዝተፈላዩ ዓይነታት ዓሌትነት
ኣብ ባህሊ፣ ሃይማኖት ወይ ድማ መበቆል ደቂ ሰባት ዝተመርኮሰ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግለጺ ዓሌትነት ኣለዉ። ካብዞም ዝተፈላለዩ መግለጺታት ዓሌትነት ድማ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይኽእሉ፦
ዓሌትነት ኣብ ልዕል ወጻእተኛታት (främlingsfientlighet)፦ እዚ ንወጻእተኛታት ብመሰረት መበቆሎም፣ ሃይማኖታዊ እምነቶም ይኹን ሕብሪ ቆርበቶም ካብቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ዝተፈልየ ምስ ዝኸውን ዘጓንፎም ኣድልዎ እዩ።
ዓሌትነት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምስልምና (islamofobi) ፦ እዚ ዓይነት ዓሌትነት ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ወይ ድማ ሃይማኖት ምስልምና ዝርአ ጽልኣት እዩ።
ዓሌትነት ኣብ ልዕሊ ሮመር (antiziganism)፦ እዚ ዓሌትነት ኣብቶም ብልምዲ ዚገናረ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሮመር ዝርአ ዓሌትነት እዩ።
ዓሌትነት አብ ልዕሊ ጸለምቲ (Afrofobi)፦ እዚ መሰረቱ ኣብቶም ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ኣህዛብ ዝርአ ዓሌትነት እዩ።
መግለጺ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓሌትነት፦
- ልምዳዊ መግለጺ (stereotypen) ንኣብነት ካብ ሓደ ሕብረተሰብ ዝመጹ ሰባት ከም ሃካያት፣ መጠፋፋእቲ፣ ነደርቲ ወዘተ ጌርካ ምግላጽ።
- ከሎ ጌና ምጽላእ ወይ ፍርዲ ምሃብ (fördomar) ዝኾነ መንቀሊ ወይ ምኽንያት ከየሎ ንሓደ ሰብ ወይ እኩባት ሰባት ምጽላእ ወይ ኣብ ልዕሊኦም ፍርዲ ምሃብ
- ኣብ ጸብለልታ ዓሌት ዝተመርኮሰ (etnocentrism) ባህሊ ወይ ዓሌት ሓደ ሕብረተሰብ ካብ ካልኦት ባህልታት ወይ ዓሌታት ይበልጽ ብዝብል ርድኢት ወይ እሙንቶ መሰረት ዝገብር ኣረኣእያ
- ኣድልዎ ብዘርኢ (rasism) ልዕልና ሓደ ህዝቢ ኣብ ዘርኢ ዝተመርኮሰ እዩ ብዝብል ርድኢት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘርኢ ኣድልዎ ምግባር ከም ቅቡል ዝወስድ ኣረኣእያ
- ስነ-ሓሳብ ኣድልዎ ብዘርኢ (rasideologi) ኣድልዎ ብዘርኢ (rasism) ከም መሰረት ብምውሳድ ካብ ናትካ ዓሌት ወይ ዘርኢ ወጻኢ ንዘለዉ ዓሌታት ውሱን መሰል ጥራይ ክህልዎም ክም ቅቡል ዝወስድ ስነ-ሓሳብ
- ኣብ ዓሌትነት ዝተመርኮሰ ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ (rasistiskt våld) እዚ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ ብመሰረት ሕብሪ ቆርበቶም፣ ሃይማኖታዊ እምነቶም ወይ ባህሎም መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊኦም ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ ምፍጻም።
እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ መግለጺታት ንዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓሌትነት ወይ ኣድልዎ ብዘርኢ ንምግላጽን ምልላይን የኽእሉና።
መርገጽ ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ዓይነት ዓሌትነት ወይ ኣድልዎ ብዘርኢ መርገጽ ይወስዳ
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኣብ ሕብረተሰብና ንዝርኣዩ ዓሌትነት ወይ ኣድልዎ ብዘርኢ ይቃወማ
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ዝኾነ ዓይነት ዓሌትነት ወይ ኣድልዎ ብዘርኢ ኣይቅበላን
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኣንጻር ዓሌትነትን ኣድልዎ ብዘርኢ መርገጻት ኣለወን
ዕላማ
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኩሎም ነበርቲ ሽወደን ማዕረ መሰል ዜግነት ብምውናን ብዘይ ኣድልዎን ዓሌትነትን ንክነብሩ ጻዕርታት የካይዳ
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ንዓሌትነትን ዝኾነ ዓይነት ኣድልዎ ንምግታእ ኣብ ነንሕድሕደን ዘተን ምትሕባበርን የካይዳ
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኣብ ጽላል ማሕበራተን ተቖጽሮም ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፣ ሽማግለታትን ኣባላትን ብዝኾነ ዓይነት ዓሌትነት ወይ ኣድልዎ ንኸይጥቅዑ ጻዕርታት የካይዳ
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኣንጻር ዓሌትነትን ኣድልዎን ንዝህልወን ተራ ኣብ ሕብረተሰብና ጎሊሑ ንኽርአ ይጽዕራ
ስጉምቲ ወይ ንጥፈታት (åtgärder/ aktiviteter)
- ትምህርታዊ ኮንፈረንስ ወይ ሰሚናር ምድላው
- ምስ ትምህርቲቤታት ብምትሕግጋዝ ኮርሳት ምድላው
- ኣንጻር ዓሌትነትን ኣድልዎን ኣድማዒ ተራ ንስለ ምጽዋት ምስ ካልኦት ማሕበራትን መንግስታውያን ትካላትን ብሓባር ብደረጃ ሃገር መደባት ንኽትሓዙ ምጽዓር
- ካብ ርድኢትን መትከላትን SIOS ብምንቃል ንኮምዩናት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ንዝህልዎም መርገጻትን ዝወስድዎ ውሳነታት ምክትታል
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝካየዱ ክትዓት ንዘለዎም ኣንጻር ዓሌትነትን ኣድልዎን የቕርባን ይሳተፋን
- ኣባላት SIOS ዝኾና ጽላል ማሕበራት ነቶም ዓሌታውያን ዝኾኑ ማሕበራት ይኹኑ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ንጹር መልስታት ይህባ
እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ መደባት ኣብ 2014-2015 ብደረጃ ጽላል ማሕበራት ናብ ጨናፍር ወሪዱ፡ ጨናፍር ምስ ኣባላተን ይካትዓሉን ይምህራሉን፡ ውጽኢት ክትዓት ድማ ከቕርባ ኣብ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ንምዕዋቱ ተሳታፍነት ወከልቲ ጨናፍርን ሽማግለ ኤማሽን ክነጥፍሉ ድማ እንሆ ይቐርብ።
21-11-2014
ኣቦ መንበር ጽላል ማሕበር ኤማሽ